Dela nyhet
መጻጉዕ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም
4 apr, 14:14 0 kommentarer
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!
ራብዓይቲ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም (መጻጉዕ)
እዚኣ እታ ራብዐይቲ ሰንበት ኮይና በዛ ቅድስት ዕለት ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ስለ ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት፡ ዘሕወዮም ድኑሳትን ሕሙማትን ዝንገረሉ እዩ። እዚ እውን ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ ሓሙሽተ ተጻሒፉ ካብ ዝርከብ ናይቲ 38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰን ዘመኑ ምሉእ ብሕማም ዝሓለፈ ሰብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘሕወዮ ዝትርኽ እዩ። ኩሉ መዝሙራትን ስብከታትን ንባባትን ቤተክርስቲያን ስለ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝገበሮ ንሕሙማት ምሕዋይን ምፍዋስን ክነግሩ ይቕንዩ። እቲ ቃል ከምዚ ይብል፡ “ድሕሪ እዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ (ቀዳም መዓልቲ እዩ)፡ ኢየሱስ እውን ናብ ኢዮሩሳሌም ደየበ።ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ መጠመቒ(ጱሩጳቄ) መሕጸቢ ማይ ጸሎት ነበረ። ጱሩጳቄ ማለት ናይ ፈውሲ፡ ናይ በዓል ‘ናይ መስዋእት ናይ ጉባኤ ቦታ ማለት እዩ።ቅልንብትራ እትበሃል ከኣ ብእብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ትበሃል እዚ ድማ ቤተመድሃኒት ማለት እዩ።እዚ ቦታ እዚ ኣባጊዕ ዝሕንብሳሉ፡ ኣባጊዕ ዝሕጸባሉ ቀላይ እዩ። ኣብዚ ድማ ሕሙማት ዝድቅስሉ ሓሙሽተ መደብ ነበሮ፡እዚ ከኣ፡-
- ሰሎሞን ብጥበቡ ስሒቡ ዘእተዎ ማይ እዩ።
- ነቢይ ኢሳይያስን ንጉስ ሕዝቅያስን “ሓበ ኣውጽኡ ማየ ማእከለ ክልኤቱ ኣረፍት” ከም ዝብል ኣብ ሻድሻይ ቆመ ብእሲ (ቁመት ሰብኣይ) ዘውጽእዎ ማይ እዩ ስንክሳር 6 መስከረም ንመልከት። እዚ ማይ ጸሎት እዚ ቀዳም ቀዳም ሓደ ሕሙም ዘሕዊ ዝነበረ እዩ። ኣብቲ ሓሙሽተ መደብ ብዙሓት ሕሙማት ይድቅሱ፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን፡ ኣካሎም ዝነቐጸ፡ ኣካሎም ዝለመሰ፡ ሕሙማት ኣብኡ ይድቅሱ ነበሩ። ናይ’ቲ ማይ ምንዋጽ ይጽበዩ ነበሩ። ከመይ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብቲ ማይ ጸሎት ኪወርድ ከሎ እቲ ማይ ይናወጽ ነበረ። እቲ ድሕሪ ምንዋጽ እቲ ማይ ኣቐዲሙ ወሪዱ ዝሕጸብ ድማ ካብ ዘለዎ ኩሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ። ናብዚ ማይ እዚ መልኣክ እግዚኣብሔር እንታይ ክገብር ይወርድ ነይሩ እንተተባህለ፡ ማያት ክቕድስ መስዋእቲ ከዕርግ እዩ። እዚ ከኣ ምሳሌ ዘለዎ እዩ። እቲ ማይ ናይ ጥምቀት፡ እቲ ሓሙሽተ መደብ ናይ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር፡ ሓሙሽተ ዓይነት ሕማማት ዝነበሮም፡ ናይ ሓሙሽተ ምእመናን እዩ። ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ዝተባህሉ ድማ ኣዕሩግ፡ ወራዙት፡ ኣንስቲ፡ ካህናት፡ መነኮሳት እዮም። ናይ ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ጠባይ ከኣ በዚ ዝስዕብ ይግለጽ ።
- ኣዕሩግ (ኣረግቶት) ጾሮም ፍቕሪ ገንዘብ እዩ፡ መን ክረድኣና መን ክጥውረና እናበሉ ገንዘብ ምእካብ ይፈትዉ እዮም፡ ነዚ ሓዲጉ ብናይ ወራዙት ስምዒት ብዝሙት እንተ ተቓወሞም ብጸጋ ጥምቀት ይስዕርዎ።
- 2. ናይ ወራዙት ጾር ዝሙት እዩ፡ ነዚ ሓዲጉ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ተቛወሞም ብጥምቀት ብዝረኸብዎ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርዎ።
- ናይ ኣንስቲ ጾር ተርእዮ ምንዝርና እዩ፡ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተ ተቛወመን ብጥምቀት ብዝረኸበኦ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርኦ።
4.ናይ ካህናት ጾር ትዕቢት እዩ። ኣእምሮና ረቂቕ ማዕርግና ምጡቕ (ልዑል) ብምባል ይዕበዩ፡ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተተቛወሞም ብሓይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ።
5.ናይ መነኮሳት ጾር ስስዐ እዩ፣ ኣብ ዝደልይዎ ግዜ ስለ ዘይረኸብዎ ነዚ ሓዲጉ ብኣንሳሕስሖ ዘበከንቱ (ዙረት) እንተ ተቓወምዎም ብሓይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ (ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሻብዓይ ክፍሊ ተግሳጥ) ።
ከምቲ ኣብዚ ወንጌል እዚ ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ ካብ ዝሓምም 38 ዓመት ዝገበረ ሰብኣይ ነበረ ይብል እቲ ጽሑፍ(ዮሓ 5፣5)። ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ሰብ እዚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፣ ነዊሕ ከም ዝሓመመ ፈሊጡ “ክትሓዊ’ዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ “ጎይታይ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቀላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡንብኡ ሓወየ ዓራቱ ኣልዒሉ እውን ከደ። ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ነቲ 38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሰብ ሓቲትዎ “እወ” ዝብል ምላሽ ከምዝህቦ ይፈልጥ’ዶ ኣይኮነን እንተ በልና፡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝገበረ ስለ ክልተ ነገር እዩ ነይሩ እዚ ከኣ፦
- ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ዝፈልጥ እኳ እንተኾነ ስርሑ ግን ብዘይ ምኽንያት ኣይሰርሕን እዩ
- ብኻልኣይ ከኣ ነቲ ሕሙም ብድልየቱ እምበር ብግደታ ከም ዘይ ኣሕወዮ ንምግላጽ እዩ።
ስለ እዚ ነገር እዚ ከፍልጥ ነቲ ዝሓመመ ሰብ “ክትሓዊ ዶ ትደሊ ኢኻ፧’’ ዝብል ሕቶ ዘቕረበሉ፡ በዚ ከኣ እቲ ዝሓመመ ምርጭኡ ምሕዋይ ምዃኑ ብገዛእ ልሳኑ ምስ መስከረን ምስተዛረበን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብ ኣምላኻዊ ቃሉ “ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ። እታ ን38 ዓመት ተሰኪማቶ፣ ጸይራቶ እምበር ተሰኪምዋ ኮነ ጸይርዋ ዘይፈልጥ ዓራት በቲ ግዜ ግን ኣምላኽ ንጭንቀቱ ንድኻሙን ምድናሱን ርእዩ ምሕረት ገበረሉ፣ ካብ ኣብ ዓራት ምድቃስ፡ ካብ ኢድ ሰብ ምጽባይ ተገላገለ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክትሓዊ ዶ ትደሊ ኢኽእ ኢሉ ኣብ ዝሓተቶ ግዜ፡ እዚ ሰብ እዚ “ሰብ የብለይን፡ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ከኣ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” በሎ። እንሆ እዚ ሰብ እዚ ዘመድ ኣዝማድ ስለ ዘይነበርዎ፡ ሓይሉ ድኹም ክትንስእ ኮነ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክእል እሞ ከኣ ኣብቲ ክሓውየሉ ዝኽእል ግዜን ሰዓትን ስለ ዝሓልፎ፡ እቶም ብቕሩብ ብጉልበቶም ካብኡ ዝሕሹን፡ እቲ ማይ ኣብ ዝናወጸሉ ግዜ ቤተሰቦም ብሓይሊ ጉልበት ተሰኪሞም ናብቲ ማይ ዘእትውዎም ስለ ዝቕድምዎ ንሱ እውን ከይ ሓወየ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበረ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝመጻሉ ግዜ ናብቲ ማይ መታን ከእትዎ እዩ፡ “ሰብ የብለይን” ዝብል ቃል ዝመለሰ።
እንተኾነ እቲ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ንሽግሩ፣ ንድኻሙ ተረዲኡ ካብ ኩሉ ሕማሙ ድኣ ነጻ ገበሮ። እዚ ዝኾነሉ ዕለት፣ ሰንበት ነበረ። እቶም ኩሉ ግዜ ብተንኮልን ክፍኣትን ዝተመልኡ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ኣይሁድን፡ እዚ ሰብ እዚ እታ ን38 ዓመት ጸይራቶ እትነብር ዝነበረት ዓራት ተሰኪሙ ክኸይድ ከሎ ተጓነፍዎ። ንሳቶም ነዚ ምሕረት እዚ ብምርካቡ፣ ማዕረሰቡ ኮይኑ ኣእጋሩ ተኺሉ ክጎይን ክንቀሳቐስን ምስ ረኣይዎ ብልቦም ኣዝዮም ጓሂ ተሰምዖም፣ ክሕጎሱ ኣይተራእዩን፣ ኣብቲ ናቱ ሓጎስ ተኻፈልቲ ንምዃን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን እኳ ድኣ “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኣልዒልካ ክትከይድ ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ። ንሱ ግና “እቲ ዘሕወየኒ እዩ ‘ዓራትካ ኣልዒላካ ኪድ’ ዝበለኒ”ኢሉ መለሰሎም ንሳቶም ከኣ “እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰብ ነበረ፣ ኢየሱስ ከኣ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን‘ዘሕወዮ ዘይምፍላጡ ስንፍና እዩ’ብድሕሪ’ዚ ኢየሱስ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ኣብ ቤት መቐደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካ፣መሊስካ ሓጢኣት ኣይትግበር” በሎ።
ካብዚ ዝገድድ እንታይ ኣሎ እንተ በልና፡ እቲ ናይ ቅድም ደዌ ስጋ እዩ፣ እዚ ናይ ሎሚ ግና ደዌ ነፍሲ እዩ። እዚ ሰብ እዚ በደል ምፍጻሙ ከኣ ኣይተረፎን፣፣ ብዕለተ ዓርቢ ጎይታናን ኣምላኽናን ኣብ መስቀል ከሎ፡ ስሌና ዕራቑ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብኢዱ ገይሩ ገጹ ከም ዝጸፍዖ እሞ ኢዱ ከም ዝነቐጸት ይንገር። ደዌ ዘንጽሕ፡ ደዌ ዘዕሴት፡ ደዌ ዘመቅዘፍት፡ ደዌ ዘሓጢኣት ኣሎ።
- 1.ደዌ ዘንጽሕ ዝበሃል ከም ናይ ጢሞቴዎስ ብንጽሕና ብትሕርምቲ ዝመጽእ እዩ (1ጢሞ 5፡23) ።
- ደዌ ዘዕሴት ከም ናይ ኢዮብ ዋጋ ዘለዎ ሕማም እዩ (ኢዮብ 2፡10) ።
- ደዌ ዘመቅዘፍት ከም ናይ ሳኦልን ከም ናይ ሄሮድስን ዝመስል ሕማም እዩ (1ሳሙ 18፣10, ግ.ሓዋ 12፡23) ።
- 4.ደዌ ዘሓጢኣት ዝበሃል ከኣ ከምዚ ን38 ዓመታት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ።
ብድሕሪ እዚ፣፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ከይዱ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም። እቶም ኣቐዲሞም ዘይተሓጎሱ ግናኸ ብመዓልቲ ሰንበት ዓራት ብምጻሩ ዝጓሃዩ ኣይሁድ፡ እቲ ዘሕወዮን ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበሎን፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ፈለጡ እሞ ኣሳደድዎ ክቐትልዎ’ውን ደለዩ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ መለሰሎም፣
- “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ (ስነ-ፍጥረት ምምልላሱ እዩ) ኣነ ‘ውን ይዓዪ ኣለኹ
(ስነ-ፍጥረት የመላልስ ኣለኹ)”
- “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ማለት ብመዓልቲ ሰንበት (ቀዳም ) በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማይ ጸሎት ምኽንያት ሓደ ሓደ ሕሙም የሕዊ ኣሎ። ኣነ’ውን ስርሐይ ይሰርሕ ኣለኹ። እዚ ማለት ብመዓልቲ ሰንበት ነታ ንዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ጎቢጣ ዝነበረት ሰበይትን ነዚ 38 ዓመታት መጻጉዕን ከምዘሕወየ ንምግላጽ እዩ(ሉቃስ 13፡10-11)። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉ ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ ኣይሁድ ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። ብድሕሪ’ዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ መለሰሎም፡ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ወልድ ነቲ ኣቦ ክገብሮ ብህልውና ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ርእሱ ጥራሕ ሓንቲ ነገር እኳ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ከመይ ነቲ ኣብ(ኣቦ)ዝገብሮ ዘበለ ኩሉ ወልድ’ውን ይገብሮ እዩ። ኣብ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ብህልውና ዝገብሮ ኩሉ የርእዮ እዩ ንስኻትኩም ምእንቲ ክትኣምኑ ክትድነቑ ካብ’ዚ ዝበልጽ ግብሪ ማለት ሕሙም ካብ ምፍዋስ ዝበልጽ ምዉት ምትንሳእ ከርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም ሕያዋን እውን ከም ዝገብሮም ወልድ’ውን ኣተንሲኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን ይገብሮም እዩ። ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ እንተኾነ ኩሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ (ኣብ ፍርዲ ዘበለ ኩሉ ንወዱ ድኣ ሃቦ እምበር ንሱስ ንሓደ እኳ ተገሊጹ ኣይፈርድን እዩ)። ኩሉ ሰብ ንኣብ ወላዲ ኢሉ ከም ዘኽብሮ ንወልድ ከኣ ተወላዲ ኢሉ ምእንቲ ከኽብሮ እዩ። እቲ ንወልድ ተወላዲ ኢሉ ዘየኽብሮ ግና ነቲ ዝለኣኾ ኣብ እውን ወላዲ ኢሉ ኣየኽብሮን እዩ፣፣ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ እቲ ንቃለይ ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እውን ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ክረክብ እዩ።ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ድኣ ይሰጋገር እምበር ናብ ፍርዲ ናብ ገሃንም ኣይከይድን እዩ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ (ትምህርቲ ወንጌል) ዝሰምዑላ ግዜ ከም ዝመጽእ ግዚኡ ድማ ሕጂ ከም ዝኾነ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ። ምዉታት ተባሂሎም ዘለዉ ምዉታነ ሕልና እዮም። እቶም ትምህርቱ ሰሚዖም ዝተቐበልዎ ከኣ ትንሳኤ
ልቦና ክትንስኡ እዮም፣፣
መዝሙር ንባባት ምስባክ
ኣምላኩሰ ለኣዳም ገላ 5፡1-መፈ መዝ 41፡1-3
ያዕ 5፡14-መፈ
ግ.ሓዋ 3፡1-12
ዮሓ 5፡2-25
ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን አሜን አሜን!!!