Dela nyhet
ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾም።
10 mar, 11:00 3 kommentarer
1. ዘወረደ
በዚ ዕለት እዚ ኣካላዊ ቃል፡ እግዚኣብሔር ወልድ ካብ ልዑል መንበሩ (ካብ ልዕልንኡ) ምውራዱን ስጋ ምልባሱን፡ ሰብ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀራንዮ ኣደባባይ ስለ ፍቕርና፡ ስለ ድሕነትና ክብል ምማቱን ምትንስኡን ምዕራጉን ብዓይነ ልቦና እንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሐዋርያ ዮሐንስ፡ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ብጀካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወዲ ሰብ(ወልደ እጓለ እመ ሕያው ክርስቶስ) ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የለን”ይብል (ዮሓ 5፡3-6)። ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣካላዊ ቃል እዩ። “ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ” ምባሉ ድማ ናይ ሰብ ባህርን ኣካልን ተዋሃሂዱን ለቢሱን፡ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለ ዝኾነ እዩ(ዮሓ 6፡62,ማቴ 3፡17,ዮሓ 17፡5-24, ራእ 2፡8, ማር 14፡60-62) “ዚኣሁ ለስጋ ኮነ ለቃል ወእንቲኣሁ ለቃል ኮነ ለስጋ” ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ።
ናይ ዕለቱ ኣርእስቲ መዝሙር
ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር
ንባባት እብ 13፡7-17 ያዕ 4፡6-መፈ
ግ.ሓዋ 25፡13-መፈ
ዮሓ3፣10-25
ምስባኽ
ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር በፍርሃት፡ ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ
ኣጽንዕዋ ለጥበብ ከመኢይተመዐድ እግዚኣብሔር
ትርጉሙ-ንእግዚኣብሔር ብፍርሃት ተገዝእዎ
ብረዓድ ድማ ተሓጎሱ ጎይታ መታን ከይቁጣዕ ተግሳጹ ተቐበሉ።
ንእግዚኣብሔር ኣገልግልዎ ብረዓድ ከኣ ስገድሉ ክብል ከሎ ከምቲ ኣቦና ኣዳም ድሕሪ ምብዳሉ ዝፈርሆ ፍርሃት፡ ዝተሰምዖ ራዕዲ ኣይኮነን(ዘፍ 3፡7-10) እንታይ ድኣ እንተተባህለ፡ ከምቲ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ቅድሚ ሕጊ ምፍራሶም፡ በደል ምፍጻሞም፡ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ኣኽብሮትን ፍርሓትን ክኸውን ከሎ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕሪን ኣኽብሮትን መግለጺ እዩ። ነዚ እዩ ኸኣ ጥበበኛ ሰሎሞን “ቀዳመይቲ ጥበብ ንእግዚኣብሔር ምፍራህ እዩ”(ምሳሌ9፣10) እንዳበለ ዝጸሓፈ። ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ “እግዚኣብሔር ነቲ ንዕኡ ዝፈርህ ሰብ፣ በታ ንሱ ዝሓረያ መገዲ ክኸይድ ይመርሖ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ኣሎ(መዝ 25፣1)። ንእግዚኣብሔር ምፍራሕን ብራዕዲ ምግልጋልን እምበኣር ዝወዓለልና ውዕለት ከይዘንጋዕና፡ ብቕዱስ ቃሉ ኣሚንና ንትእዛዛቱ እናተግበርና፡ ካብ ርኽሰትን ሓጢኣትን ተፈሊና ምስ እንነብር እዩ። እንተዘይኮነስ ውጽኢት ዘይምፍራሕ ሞት እዩ ዘስዕብ። ኣቦና ኣዳም ነታ ቐዳመይቲ ኣካይድኡ ስለ ዝገደፋ እዩ ካብ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጎይታ፣ ካብ ገነት ዝኣክል ቦታ ናብዚ ምድሪ ዝተሰጎገ።ሰለዚ ኣብዚ ጾም እዚ ኩሉ ምግባረ ትሩፋት እናገበረና ብጸሎትን ብጾምን ክንተግህ ኣምላክ ይሓግዘና።
Kommentarer
Tirhas Gebremeskel Weldekkidan 10 mar, 17:32
Amen (3) ab tselotkum zekruna.
Zimam Sibhatu Weldemichael 10 mar, 19:44
ንመላእ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተሰብ ሰናይ ጾም ፣ናይ ይቅረታን ምህረትን ይግበረልና። ኣሜን!!!
Bereket Tekie 11 mar, 11:49
ኣሜን ቃለሕይወት የስምዓልና ኣቦና